ናይ ሕ/ሃ ትካል ሓገዝ መግቢ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ሓገዝ ክስረቕ ከሎ ስጉምቲ ኣይወሰዳን" ሮይተርስ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤጀንሲ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ረድኤት ክስረቕ ከሎ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ዝምልከት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ መርመራዊ ፀብፃብ ኣዳልዩ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ሓደ ሰራሕተኛ ረድኤት ኣመርካ ኣብታ ብዂናት ዝተጎድአት ክልል ትግራይ እትርከብ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዱኳ ኮፍ ኢሉ ቡን እናሰተየ ከሎ እኽሊ ዝተፅዓነት ቀያሕ መኪና ረኣየ።