ባይቶ ጸጥታ ንዕጡቕ ጕጅለ ይዅንን፡ ተሰለፍቲ ግን ንኤምባሲታት ምዕራብ የጥቅዑ

  • ዜና ቪኦኤ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ 12 የካቲት 2024 ኣብ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ምብራቓዊ ወገን ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ብዝርአ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ዘለዎ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጥቃዕቱ ዘሐየለ ዕጡቕ ጕጅለ ኤም፡23 (M23) ኰኒኑ።

ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ዓቢ ህላወ ደኣ ይሃሉዎ እምበር፡ ውሕስነት ዜጋታት እታ ሃገር ክሕሉ ከም ዘይከኣለ ይንገር። ህዝቢ ኮንጎ’ውን ደጋጊሙ እቲ ኣሃዱ ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ካብታ ሃገር ክወጽእ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲታት ምዕራባውያን ሃገራት ብቐንዱ ድማ ኣመሪካ፡ በልጂዩም ከምኡ’ውን ቤት ጽሕፈተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኖም ባንዴራ ዘቃጽሉ ዝነበሩ ኣድመኛታት ካብ ፖሊስ ብዝተተኰሰሎም ዘንብዕ ጋዝ ተበቲኖም።

እቶም ተሰለፍቲ፡ ሃገራት ምዕራብ፡ ነቶም ብሩዋንዳ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ዕጡቓት ጉጅለ ኤም፡23 (M23) ይሕግዙን’ዮም ብምባል ይኸሱ።

ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራትን ብበይኖም ናጻ ኣካላትን ዝቐረበ ገምጋም፡ ነቶም ዕጡቓት ጉጅለ ርዋንዳ ከም እትሕግዞም’ዩ ዘመልክት። ኪጋሊ ግን ነቲ ክሲ ደጋጊማ ክትነጽጎን ጸኒሓን ኣላን።