ሕቡራት መንግስታት ንመጥቃዕቲ አልሸባብ ይኹንን

አል-ሸባብ አብ ሓደ ፍሉጥ ሆቴል ሞቃዲሾ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ወናኒ'ቲ ሆቴልን ሓደ ወታደራዊ አዛዚን ክልተ አባላት ፓርላማን ሓዊሱ ብዉሑዱ 12 ሰባት ሞይቶም። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ነቲ መጥቃዕቲ አውጊዙ'ሎ።

እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ አብ መዕጸዊ ሆቴል ስሃሪ(Sahafi) ዝተፈጸመ ክከውን ከሎ መጀመርያ ሚሊሻታት አል-ሸባብ ነቲ መእተዊ'ቲ ሆቴል አብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ምስ ወቕዕዎ ዕጡቓት ነቲ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሓለፍቲ ንግዲን ዘዘወትርዎ ሆቴል ከምዘጥቕዑ ሰበ-ስልጣን'ታ ሃገር ገሊጾም'ለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

Your browser doesn’t support HTML5

ሕቡራት መንግስታት ንመጥቃዕቲ አልሸባብ ይኹንን