"ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብኽልተ ቀወምቲ ኣባል ሃገራት ክትውከል ኣለዋ" ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት

  • ዜና ቪኦኤ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ -ፋይል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብክልተ ቀዋሚ ኣባል ሃገራት ክትውከል ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ንሶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ምምሕያሽ ቤት ምኽሪ ፀጥታን ውክልና ኣፍሪቃ ን ኣብ መንጎ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ምትእምማን ምህላው ገሊፆም። ዓለምለኸ ስርዓት ገንዘብ እውን ንኣፍሪቃ ተረባሒ ብዝገብር ኣገባብ ክመሓየሽ ከም ዘለዎ ኣብ ስምምዕ ምብፅሑ እቶም ዋና ፀሓፊ ሓቢሮም።

ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራትን መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ንምስታፍ ኢትዮጵያ ምእታዎም ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ዘካፈሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ክልተኦም ኣብ ሓያሎ ዞባዊን ዓለማዊን ጉዳያት ኣመልኪቶም ምዝርራቦም ሓቢሮም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብሓባር ንዝተሓደሰ ኣዳራሽ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ መሪቖም።

ጉተረዝ ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት’ውን ተራኺቦም ተዘራሪቦም ኣለዉ።