ዋሽንግተን —
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ ሰሉስ ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ሶማል ኣትዮም። ዋና ጸሓፊ ጉተረዝ ኣብ እዋን ጾም ሮሞዳን ናብ በበይነን ሃገራት ብምብጻሕ ነቲ ቅዱስ ናይ ጾም ወርሒ ምስ ኣመንቲ ብምዃን ናይ ምሕላፍ ልምዲ ዘለዎም ኰይኖም፡ እዚ ናይ ሶማል ምብጻሕ’ውን ኣካል’ቲ ዑደት’ዩ። እቶም ንስነ-ስርዓት ኢፍጣር ምስ ጸወምቲ ዝተኻፈሉ ዋና-ጸሓፊ፡ ንምምካት ግብረ-ሽበራ፡ ሰላምን ጸጥታን ኣመልኪቶም ምስ ሰብ-መዚ ሶማል ምዝርራቦም ኣመልኪቶም።
ጉተረዝ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ ኰይኖም ዘስምዑዎ መደረ፡ ነታ ከቢድ ደርቂ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ሶማል፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኢዱ ክዝርግሕ ጸዊዖም። ጉተረዝ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሶማላውያን ቅልውላው ስእነት መግቢ የጋጥሞም ብምህላዉ፡ ነታ ሃገር ብመግቢ ምርግጋኣ፡ ሰላም ኣብ ምስፋን’ውን ወሳኒ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ንምምካት ናይ 2.6 ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ዓሊሙ ይሰርሕ ኣሎ። ዛጊት ግን 13 ሚእታዊት ናይቲ ዝድለ መጠን ሓገዝ ጥራይ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ።