ኣብ ኣውሮፓ ኣጋጢሙ ንዘሎ ቅልውላው ስደተኛታት ማሕበረሰብ ዓለም ሓያል ግብረ መልሲ ክህበሉ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሕቡራት መንግስታት ፀዊዖም።ስደተኛታት ናብ ኣውሮፓ ምውሓዞም ቀፂሎም ኣለው።ፈረንሳይን ብሪታኒያን ክልቲአን እውን እንተወሓደ 20 ሽሕ ስደተኛታት ማእኸላይ ምብራቕ ንምቕባል ትማሊ ሰኒ ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ዮርደዳኖስ፣ሊባኖስን ቱርኪን ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ሶሪያዊያን ስደተኛታት ኣዕቑበን ይርከባ።ስድተኛታት ዝኣትውለን ቅድመ ግንባር ተባሂለን ዝፅውዓ ሃገራት ኣውሮፓ ብፍላይ ጣሊያንን ግሪክን ካብ ማእኸላይ ምብራቕን ካሊእን ናይ ዝወሓዙ ስደተኛታት ቀንዲ ተሸከምቲ ኮይነን ኣለዋ።
ኣብ ኣውሮፓ ይኣትው ንዘለው ዓሰርተታት ኣሽሓት ሶሪያዊያን ስደተኛታት ሓለዋ ምሃብ ዓለምለኻዊ ሓላፍነት ኩለን ሃገራት እዩ ይብሉ ብዓል ስልጣን ሕቡራት መንግስታት Peter Sutherland።
እዚ ርትዓዊ ኣይኮነን ይብሉ ንጉዳይ ስደተኛታት ናይ ዝጥምት ኣካል ሕቡራት መንግስታት ብዓል ስልጣን Sutherland።ምክንኻን ስደተኛታት ሓላፍነት ብግጭት ናይ ዝዳበዋ ሃገራት ጥራሕ ኣይኮነን፤ዓለምለኻዊ ሓላፍነት እምበር ይብሉ።
ኩለን 28 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ ከከም ዓቕመን ስደተኛታት ክቕበላ ንዝተኻየደ ፃዕሪ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮፓ ዕንቅፋት ምዃነን ዘሕን እዩ ይብሉ ንሶም።
ኩለን ሃገራት ሚዛናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ስደተኛታት ክወስዳ ግቡእ ኣለወን ይብሉ ሱዘርላንድ ብምስዓብ።ዛጊድ ስደተኛታት ዘይተቐበላ ዝበሉወን ዩናይትድ ስቴትስ፣ካናዳ፣ኣውስትራሊያ፣ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ፣ርሑቕ ምብራቕ ሃገራት ወሽመጥን ብምጥቓስ ክወስዳ ተማሕፂኖም ኣለው።ንዝርዝሩ የድምፁ።
Your browser doesn’t support HTML5