ኣብ ሱዳን መንበሪኦም ዝነደዶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሓገዝ ይፅበዩ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ መዓስከር ኡምራኩባ ቅድሚ 20 መዓልታት መንበሪኦም ብሓደጋ ባርዕ ዝዓነዎም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፣ ክሳብ ሕጂ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እቶም ብሰንኪ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ሱዳን ዝኸዱ ስደተኛታት፡ ብምኽንያት እቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንፂ፡ ስግኣት ፀጥታን ዋሕዲ ቀረብ ኣገልግሎትን ከምዘሎ ብምሕባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ኣቃልቦ ክገብረሎም ጸዊዖም።