ኡጋንዳ- ንተዋጋእቲ ኤም-23 ትሕግዝ'ያ ንዝብል ክሲ ትነጽግ

ተዋጋእቲ ኤም-23 - ፋይል

ኡጋንዳ ነቶም አብ ምብራቃዊ ኮንጎ ዝንቀሳቀሱ ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ትሕግዞም ኣላ ዝብል ዝተቃለሐ ድምጺ ቤት ምኽሪ ሕቡራት ሃገራት ትነጽግ።

ኮምሽን ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕ/ሃ ዝዘርገሖ ሪፖርት ‘ኣባላት ኣገልግሎት ስለያ ኡጋንዳ፣ ንኤም- 23 ይድግፉዎ ኣለው’ ይብል።

ንትካል ዜና ፈረንሳ ሎሚ ግብረ መልሲ ዝሃበ ወትሃደራዊ ወሃቢ ቃል ግና ‘እቲ ጠቀነ መስሓቅ እዩ፣ መሰረት ዘይብሉን፣ ኡጋንዳ ንምዝራግ ኮንጎ ትሰርሕ ኣላ ምባል ዘይምኽንዩ እዩ’ ከምዝበለ እቲ ዜና ይሕብር።

እቲ ወሃቢ ቃል ኡጋንዳ ኣብ ክንድኡ ምስ ኮንጎ ተሓጋጊዛ፣ ነቲ ኣብ ምብራቃዊ ኮንጎ ዝካየድ ውግእ ንክግታእ ኣብ ህንጸት ሰላም እያ ዘላ ይብል።