ወፍሪ ክታበት ዓሶ ኣብ ኡጋንዳ

Your browser doesn’t support HTML5

ወፍሪ ክታበት ዓሶ ኣብ ኡጋንዳ

ኡጋንዳ ንነዊሕ እዋን ህዝቢ ከሳቒ ዝፀንሐ ብጣንጡ ዝመሓላለፍ ሕማም ዓሶ (Yellow Fevr) ንምክልኻል ሃገርለኸ ወፍሪ ክታበት ኣካይዳ። ከም ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ኡጋንዳ ካብቶም ክታበት ክረኽቡ ትፅቢት ዝተገብረሎም 14- ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ስጋብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 12.2 ሚልዮን ሰባት ክታበት ምርካቦም ሓቢሮም።

ከም ሓበሬታ ውዱብ ጥዕና ዓለም ብጫ ዓሶ ብጣንጡ ኣቢሉ ካብ’ቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ጥዑይ ሰብ ዝመሓላለፍ ብቫይረስ ዝመፅእ ሕማም ኮይኑ ምልክታቱ ድማ ቃንዛ ጭዋዳታት፣ ሕማም ርእሲ፣ ሸውሃት ምስኣን ተምላስ ዝበሉ ምዃኖም የመልክት።