ኡጋንዳ- ኣብ ኣድማ ዝተሳተፉ ዜጋታት ኣብ ቐይዲ ይኣትው

  • ዜና ቪኦኤ

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከተማ ካምፓላ

ኣብ ዋና ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ድሕሪ ዝተነበረ እገዳ አብ ዝተካየደ ኣድማ ዝተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብፖሊስ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ።

ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ‘ፖሊስ ኣብ መላእ ካምፓላ ከምዝተራእ ጠቂሱ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኩቱማ ሩሶኪ ብወገኑ ንሰላምን ድሕነትን ኡጋንዳ ዝጻባእ ዝኾነ ዓይነት ተበግሶ ከምዘይፍቀድ ሓቢሩ ኣሎ።

ዝተፈላለዩ ኣድማታት ከምዝዋዓሉ፣ እቶም ክልተ ኣብ ጥቃ ፓርላማ’ታ ሃገር ከምዝተራኣዩ ዝሓበረ እቲ ትካል ዜና፣ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ናብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ይጽግዑ ዝነበሩ ተቃወምቲ መገዲ ዓጽዩ ከምዝዓገቶም ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓደ መዓልቲ ቅድሚ’ቲ ኣድማ ምጅማሩ ፖሊስ ንኣባላት ተቃወምቲ ፓርቲ ኣብ ቐይዲ ምእታውን ንቀንዲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ዝነበረ ቦቢ ዋይን ዝመርሖ መድረኽ ሃገራዊ ስምረት ከምዝተቆጻጸረን ይዝከር።