ኡጋንዳ 7 ብኢቦላ ዝተታሕዙ ሰባት ከምዝተረኽቡ ሓቢራ

  • ዜና ቪኦኤ

ሚንስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ዲያን ኣቶወኒ

ኡጋንዳ ኣብ መጀመርያ'ዚ ሰሙን ዝሞተ ወዲ 24 ዓመት መንእሰይ ሓዊሱ
ሸውዓተ ሰባት ብኢቦላ ከምዝተታሕዙ አረጋጊጻ። ካልኦት ዝሞቱ ሸውዓተ ሰባት'ዉን ብኢቦላ ከይኾኑ መርመራ ይካየድ ከም ዘሎ ሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቲ ብኢቦላ ከም ዝሞተ ዝተረጋገጸ ሰብ ብርቱዕ ረስኒ: ውጽኣት: ብርቱዕ ቃንዛ ኸብድን ደም ምምላስን ዝኣመሰሉ ምልክታት ከምዝተራእዮ ተፈሊጡ'ሎ። ፈለማ ዓሶ ከይኸውን ዝሓዞ ተባሂሉ እዃ እንተነበረ ደሓር ግን ቫይረስ ኢቦላ ምኻኑ ተረጋጊጹ'ሎ።

ኡጋንዳ እቲ ዳሕረዋይ ለበዳ ኢቦላ ከምዘጋጠመ ዝገለጸት ኣብ 2012 ዓ.ም እዩ ኔሩ። ብድሕሪኡ ኣብ 2019 ካብ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ኣትዩ ዝተባህለ ለበዳ ኢቦላ ኣጋጢምዋ ኔሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ሓድሽ ቫይረስ ኢቦላ ከምዝተራእየ ምስ ተረጋገጸ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወፍሪ ክታበት ጸረ ኢቦላ ጀሚራ'ላ።