ፖሊስ ኬንያ ብቕትለት ኡጋንዳዊ ኣትሌት ዝተጠርጠሩ 2 ሰባት ምሓዙ ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ኡጋንዳዊ ኣትሌት በንጃሚን ኪፕላጋት

ፖሊስ ኬንያ ብቕትለት ኡጋንዳዊ ኣትሌት ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓሉ ይገልጹ`ለዉ። ጎያያይ ነዊሕ ርሕቐት ኡጋንዳዊ በንጃሚን ኪፕላጋት ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኤልዶረት ዝተባህለት ናይ ኬንያ ከተማ ኣብ መኪና ክሳዱ ተሓሪዱ'ዩ ተረኺቡ።

ገንዘብን ተለፎንን ስለዝተወስደ መበገሲ`ቲ ቕትለት ስርቂ ከም ዝኾነ`ዩ ፖሊስ ኣሚኑ ዘሎ፡ እቶም ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ነቲ ከባቢ ብምሽባር ዝፍለጡ ገበነኛታት ምዃኖም ፖሊስ ኬንያ ሓቢሩ`ሎ። እቲ ኣትሌት ንኡጋንዳ ወኪሉ ኣብ ብዙሕ ዓለምለኻዊ ውድድራት ዝተሳተፈን ዓወታት ዝጨበጠን`ዩ ኔሩ።