ዋሽንግተን —
ኣብ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣብ መንጎ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህን እስራኤልን ዝሰርሑ ናይ ኣመሪካ መንጎኛታት ናይ 60 መዓልታት ምቁራጽ ተኵሲ ንምብጻሕ ይሰርሑ ከምዘለው ክልተ ምንጭታት ምግላጾም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሓደ ካብቶም ምንጭታት ዝኾነ ኣብ እስራኤል ዝመደበሩ ዲፕሎማት እቲ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ምቁራጽ ተኵሲ ብመሰረት ኣብ 2006 ዝሓለፈ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳነ 1701 ኮይኑ ንደቡባዊ ሊባኖስ ካብ ዕጥቃዊ ምቁጽጻር ነጻ ምግባር ዝብል እዩ።
ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ቤይሩት ሳማ ሃቢብ “ ንውሳነ 1701 ዝተግብር ዲፕሎማሲያዊ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ከምዘለና ደጊመ ክገልጽ ይደልይ፡ ኣብ ክልቲኡ ዶባት ዝርከቡ እስራኤላዊያን ሊባኖሳዊያንን ናብ መንበሪኦም ዝምለስሉ ኩነታት ኢና ንደልይ” ኢሉ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ምብራቓዊ ከተማ ባለክ ዝርከቡ ሰባት ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣዚዞም ኣለው ድሕሪ እዚ ድማ ከቢድ ደብዳብ ከምዝስዕብ ይፍለጥ። ሕዝቦላህ ብወገኑ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ካሂም ከቢድ ውግእ ከምዘለው ይሕብር።
ብመሰረት ምንጭታት ሮይተርስ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኣመሪካ ብረት ማክጉሪክ ጽባሕ ሓሙስ ነቲ ስምምዕ ንምፍጻም ናብ ሊባኖስ ከምዝኣትው ይሕብሩ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ርእይቶ ኣይሃበን።