ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ደው ንኽብል ይፅውዕ

Your browser doesn’t support HTML5

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ደው ንኽብል ይፅውዕ

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዘሎ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘብፅሖ ስቓይ ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ ዝገለፀ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ግጭት ብህፁፅ ጠጠው ክብል ፀዊዑ። ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ሓላፊት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝኾና ናዮሚ ፌሎውስ፣ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፡ መንግስተን ኣብ ምፍታሕ ዝቐደሙ ግርጭታት ዝተፃወቶ ተራ ብምጥቃስ፡ ሎሚ’ውን ዘለዎ ድሉውነትን ሓገዝን ገሊፀን።