ሓረስቶት መስኖ ካብ ተርእዮ ጥሜት ምግልጋሎም ይገልፁ፡ ንዝያዳ ሓገዝ ግን ይፅውዑ

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ተፀበይቲ ዝናብ ምዃን ዝተገላገሉ ሓረስቶት መስኖ ፅራእ ወእምበርታ ብሳላ ዝኽተሉዎ ኣገባብ ማሕረስ ካብ ተርእዮ ጥሜትን ስእነት መግቢን ድሒኖም ምህላዎም ይዛረቡ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሓረስቶት፡ ተወሳኺ ሓገዝ ምስ ዝግበረሎም፡ ንገዛእ-ርእሶም ኰይኖም ንኻልኦት ብስእነት መግቢ ዝተጠቕዓ ወረዳታት’ውን ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይገልጹ።