ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካልኣይ ፈተነ ቅትለት ጉድኣት ከም ዘይበጽሖም ሰበስልጣን ገሊፆም

  • ዜና ቪኦኤ

ኣባላት ፖሊስ ኣብ ከካቢ መንበሪ ትራምፕ ኣብ ፍሎሪዳ

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዌስት ቢች ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መፃወቲ ጎልፍ ክለቦም ተፈቲኑ ካብ ዝተባህለ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምድሓኖም ንኣገልግሎት ጸጥታን ሓለዋን ከባቢያዊ ፖሊስን ምምስጋኖም ሰብ-መዚ ሓቢሮም።

ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ "ንዝተሻቐልኹምን ፅቡቕ ትምኒትኩም ንዝገለጽኹምን ንኹሉኹም ከመስግነኩም እደሊ። ብርግፅ መሳጢት ዕለት እያ ነይራ!" ኢሎም።

ትራምፕ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ፔንስልቫኒያ ወፍሪ ምርጫ የካይዱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ተተኲሱዎም እዝኖም ምቑሳሎም ይዝከር።

ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ጎልፍ ይፃወቱ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ሓለውቶም ብረት ዝተዓጠቐ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ድሕሪ ምርኣዮም ነቲ ከባቢ ብቅልጡፍ ተቖፃፂሮምዎ። ኣባላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቲ ተጠርጣሪ ቶኲሶም እቲ ተጠርጣሪ ካብቲ ከባቢ እንተሃደመ እውን ፀኒሑ ግን ኣብ ቐይዲ ውዒሉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትራምፕ ጉድኣት ከይወረዶም ብምትራፎም እፎይታ ከም ዝተስምዖም ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣንፃር ዶናልድ ትራምፕ ይወዳደራ ዘለዋ ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ እውን በቲ ፈተነ ቅትለት ኣዝየን ከም ዝተረበሻ ገሊፀን።