ትራምፕ ይግባይ ከምዝብሉ ኣፍሊጦም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ትራምፕ ይግባይ ከምዝብሉ ኣፍሊጦም

ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ እቲ ናይ 2016 ምርጫ፡ መዛግብቲ ንግዲ ብሓሶት ምስናዶም ብዝምልከት ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘሕለፎ ገበነኛ'ዮም ዝብል ውሳነ ይግባይ ከምዝሓትሉ ገሊፆም።

ዶናልድ ትራምፕ ቤት ፍርዲ ኒው-ዮርክ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብኣልዕሊኦም በደል ከም ዝተፈፀመ ይገልፁ። ዳኛ ይግባይ ንኽብሉ እኹል ምኽኒያት ሂቡዎም ኣሎ።

ትራምፕ "ነዚ ምትላል እዚ ይግባይ ክንሓትት ኢና። ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ነገራት ተመስሪትና ይግባይ ክንብል ኢና። መሰኻኽር ክነቕርብ ኣይክኣልናን። ክንዛረብ ኣይተፈቐደልናን። ዋላ ሓደ ነገር ክንገብር ኣይክኣልናን። እቲ ዳኛ ጨቛኒ እዩ" ኢሎም።