ዋሽንግተን —
ዶናልድ ትራምፕ ኣብዚ ምርጫ ብዓብለሊ ድምጺ ምዕዋቱ እምበኣር ንገለ ኣድመጽቲን ናይ ማዕዶ ተዓዘብቲን ኣገሪሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ እዋን ጎስጓስ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ፡ እንተ ተመሪጹ ከተግብሮም ምዃኑ ቃል ዝኣተወ ብዙሓት ወገናት ከም ምስጓግ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ንኣመሪካ ዘቐደመ ፖሊሲን ንተኽእሎታት ምንጻል ኣመሪካ ካብ ዓለማዊ መድረኻትን ካልእን ይርከቦም። ዝመጽእ ምምሕዳር ትራምፕ ከመይ ክመስል ከም ዝኽእል እምበኣር ንሰለስተ ንምርጫ ኣመሪካ ብቐረባ ዝከታተሉ ዓዲምና ኣሎና።