20 ጥሪ 2025፡ መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ዶናልድ ትራምፕ፡ ታሪኻዊ ዝተሰምየ ምምላስ ናብ ዋይት-ሃውስ ገይሩ ኣሎ። ትራምፕ ቅድሚ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ብብዙሕ መንገዲ ንፖለቲካ ኣመሪካን ሰልፊ ርፓብሊካን ለዊጡ’ዩ ትብል ቲና ትሪንህ።
ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ፡ ግን ከኣ ዓቢ ህዝባዊ ጻውዒት ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ካልኣይ እዋን ከም ዝተመርጸ ይነግር።
"ንህዝቢ ኣመሪካ ከመስግን እደሊ። መበል 47 ፕረዚደንትኹም ኣቐዲምኩም’ውን መበል 45 ፕረዚደንት ኣመሪካ ንክኸውን ዝመረጽኩምኒ ካብ ልቢ እመስግን። ንዅሉ ዜጋ’የ ዝብል ዘለኹ። ኣብ ክንዳኹም፡ ኣብ ክንዲ ኵሉ ኣመሪካዊ ዜጋ ኰይነ ድማ ክቃለስ’የ። እቲ ዝነቐልናሉን ዝተበገስናሉን ምዕራፍ ክሳብ ዝዛዘም ድማ ብምሉእ ሓይለይ ክቃለስ’የ። ደቂናን ደቂን ደቂናን ብሰላም ዝነብሩላ ውሕስቲ ኣመሪካ ክሳብ እንምስርት እቲ ቃልሲ ክቕጽል’ዩ።”
ትራምፕ “ኣይፋል” ብዝብል ኒሕን ቆራጽነትን’ዩ ደጊሙ ናብ መሪሕነት ኣመሪካ ተመሊሱ ዘሎ።
ረስ ቢትነር ጋዜጠኛ ዘ ኒው-ዮርክ ታይምስ ኰይኑ ንዶናልድ ትራምፕ ብቐረባ ንነዊሕ እዋን ዝተኸታተለ’ዩ። “ኣዝዩ ሓያል ኒሕን ዘይተጸዓድነትን ዘለዎ ሰብ፡” ኢሉ ይገልጾ።
“ካብ ፈለማ 1980ታት ኣትሒዙ፡ ናይ ዝዀነ ሞያውያን ዝብሃሉ ምኽሪ ክቕበል ኣይጸንሐን። ድሕሪ ነፍሲ-ወከፎም ዝሃቡዎ ሓሳባት ነብሱ ዝበሎ ውሳነ’ዩ ዝወስድ።”
ምስ ረስ ቢትነር ሓቢራ “Lucky Loser,” (“ዕድለኛ ተሳዓሪ”) ዝብል መጽሓፍ ዘሕተመት ሱሳን ክሬግ’ውን ጋዜጠኛ ዘ ኒው-ዮርክ ታይምስ ኰይና፡ ንሳ’ውን ንኣመጻጽኣ ትራምፕ ክትገልጽ እንከላ፤“ፈለማ ኣብ ዘ-ኒው ዮርክ ታይምስ ቃለ-መጠየቕ ክገብር እንከሎ፡ ናይ 200 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ነይሩዎ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ካልእ መደብ ምስ መደበር ቴለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠየቕ ግን ድሮ ቢልዮነር ኰይኑ ነይሩ።”
ትራምፕ ቀልጢፉ ኣቓልቦ ናብኡ ከም ዝጥምዘዝ ዝገብርን ኣብ ዝደለዮን ከም ዝደለዮን ክፍጽም ናይ ምኽኣል ፍሉይ ትዕድልቲ ኣለዎ። ብስሙ ጥራይ ሚልዮናት ገንዘብ ከም ዘኻዕበት ገይሩ’ዩ።
እንተዀነ ድሕሪ’ቲ ዓበይቲ ዓወታት፡ ሓያሎ ክሳራታትን መውደቕቲን ነይሮም’ዮም። ሽዱሽተ እዋን ትካላቱ ፋይናንሳዊ ጥፍሽና ኣዊጀን። መቋመሪ ትካሉ ብኽሳራ ተዓጽዩ።
እንተዀነ ዘ ኣፕረንቲስ “The Apprentice,” ብዝብል ናይ ቴለቪዥን መደብ ደጊሙ ተንሲኡ።
እቲ ተረርቲ ውሳነታት ንምውሳድ ድሕር ዘይብል ትራምፕ እምበኣር’ዩ ኣብ ሰነ 2015 ብዙሕ ሰብ ብዘይተጸበዮን ካብ ዓንኬል ፖለቲካ ኣመሪካ ውጽእ ብዝበለን መንገዲ ናብ ውድድር ምርጫ ኣትዩ። ብወግዒ ናብቲ ውድድር ምእታዉ ክገልጽ እንከሎ ድማ “ደጊምና ኣመሪካ ብልጽግቲ ሃገር ክንገብራ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ኣንደብቱ ሕብእብእ ዘይብሉን ንሓያሎ ከየቐይም ዘስከፍን ትራምፕ ከኣ ብሕልፊ ኣብቲ ፈለማ ገጻ ወፍሪ ምርጫ ሓያሎ ኣዘራረብቲ ዝዀኑ ዘረባታት ይፍኑ ነይሩ።
“መክሲኮ ስደተኛታት ክትልእኽ እንከላ፡ እቶም ዝበለጹ ዜጋታት ኣይኰነትን ትሰድድ። እንታይ ደኣ ዕጸ-ፋርስ ዝሸጡ፡ ገበነኛታት፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ’ዮም። ካብ መንጎኦም ከኣ ምናልባት ጥዑያት ሰባት ኣይሰኣኑዎምን ይዀኑ።”
ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ሰለስተ ደያኑ ጠቕላላ ቤት ፍርዲ ዝሸመ ትራምፕ፡ ንሕጊ መሰል ምንጻል ጥንሲ ከም ዝቕልበስ ገይሩ።
ኣብ ፈለማ 2020 ለበዳ ኮቪድ-19 ንትራምፕ ዓቢ ፈተነ’ዩ ኰይኑ። ንክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ምቅልጣፍ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። እንተዀነ ካልእ ዘይስነፍልጠታውያን ኣገባባት’ውን ከም ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ካብ መንጎኡ በረኪና ነቲ ቫይረስ ከጥፍእ ዝኽእል ዓቕሚ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ኣመሪካውያን በቲ ለበዳ ድሕሪ ምልካፎምን መጠን ሞት ልዕሊ 230-ሽሕ ድሕሪ ምብጻሑ ግን ተቐባልነቱ እናጎደለ መጺኡ። ኣብ ዝቐጸለ ምርጫ 2020 ድማ ኣመሪካውያን ንጆ ባይደን መሪጾም።
ካብ መዝነት ድሕሪ ምውራዱ ሓያሎ ክስታት ተመስሪቱሉ። ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብ መዝነቱ ድሕሪ ምውራድ ብምጥፍፋእ ገበነኛ ኰይኑ ዝተፈርደ ናይ ፈለማ ፕረዚደንት ነበር ብምዃን’ውን ተመዝጊቡ። እንተዀነ ህቡብነቱ መሊሱ’ዩ ንሰማይ ዓሪጉ።
ክልተ እዋን ፈተነ ቅትለት ምስ ተኻየድሉ፡ ኣብ መንጎ ደገፍቱ ዝነበሩ ተቐባልነት መሊሱ ደሪቡ።
ፓም ስሚዝ ሓንቲ ካብኣቶም ኣብ እዋን ፈተነ ቅትለት ብዝነበረት ደጋፊት’ያ።
“ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ መደብ ኣለዎ። ንዝዓበየ ዕላማ ስለ ዝተሓርየ’ዩ ካብ ሞት ድሒኑ። መበል 47 ፕረዚደንት ክኸውን ድማ እትስፎ።”
ዶናልድ ትራምፕ ናብቲ ሜዳ ካብ ዝጽንበር ንደሓር ፖለቲካ ኣመሪካ ከም ቀደሙ ኣይኰነን። ቅድሚ ሎሚ ምስ ካልኣዩ “The Art of the Comeback” (“ጥበብ ምምላስ”) ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ትራምፕ እምበኣር፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ምምላስ ገይሩ እንሆ ንሓይሊ ኣመሪካ ይመርሖን ይህንድሶን።