ሩስያ፡ ትራምፕ ዩክሬን ሚሳይል ኣመሪካ ናብ ሩስያ ምትኳሳ ምቅዋሞም ከምትሰማማዕ ገሊጻ

  • ዜና ቪኦኤ

ምሩጽ ፕረዚደንት ትራምፕ 12 ታሕሳስ 2024 ኣን ኒውዮርክ

ሩስያ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዩክሬን ኣፅዋር ኣመሪካ ናብ ውሽጢ ሩስያ ምትኳስ ምቅዋሞም ምስ ናይ ሞስኮ መርገጺ "ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ እዩ" ክትብል ሎሚ ዓርቢ ምግላፅ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፀብፂቡ።

ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝወፀ ሕትመት መፅሄት ታይምስ ከም ዝበሉዎ ዩክሬን ናይ ኣመሪካ ሚሳይል ተጠቒማ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሩስያ መጥቃዕቲ ክትፍጽም "ብፅኑዕ" ኣይሰማማዕን ኢሎም። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ጸዓት ዩክሬን ከቢድ መጥቓዕቲ ሚሳይል ዝፈፀመት ሩስያ ነዚ ብሓጎስ እያ ተቐቢላቶ።

እዚ ናይ ሩሲያ መጥቓዕቲ ኪየቭ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብናይ ኣመሪካ ኣፅዋር ተጠቒማ ንሓደ መዕረፎ ነፈርቲ ምስ ወቕዐት ዝተውሃበ ግብረ-መልሲ እዩ።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን ድሚትሪ ፐስኮቭ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል "እዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ወጥሪ እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ ምኽንያት ዘለና ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ እዩ ። እዚ መሲጡና ኣሎ። ትራምፕ ነቲ ኩነታት ዘጋድዶ ዘሎ ብዝግባእ ከም እተረድኦ ንፁር እዩ’’ ኢሉ ።

ትራምፕ ኣብቲ ቃለ ምልልስ ‘’ "ኣማኢታት ማይላት ናብ ውሽጢ ሩስያ ዝጉዓዝ ሚሳይል ምልኣኽ ብትሪ ኣይሰማማዕን እየ። ስለምንታይ ኢና ከምኡ እንገብር ዘለና ? ዕሽነት እዩ ዝመስለኒ" ኢሎም።