ዋሽንግተን —
ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ክፍለ ሃገር ፍሎሪዳ ሰፋሕቲ ዛዕባታት ኣብ ዝሸፈነ ጋዜጣዊ መግለፂኦም ንመትረብ ፓናማን ግሪንላንድን ንምቁፅፃር ወታሃደራዊ ወይ ቁጠባዊ ሓይሊ ኣብ ግምት ከእትዉ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮም።
ትራምፕ ነዚ ርእይቶ ዝሃቡ ወዶም ንትራምፕ ኣብ ግሪላንድ ሃንደበታዊ ዑደት ምስ ኣካያደ ድሕሪ ሰዓታት'ዩ።
ብበረድ ዝተሸፈነት ከፊላዊ ግዝኣት ዴንማርክ ዝኾነት ግሪንላንድን ንባሕሪ ካሪባያንን ሰላማዊ ዊቂያኖስን ኣሜሪካን ዘራኽብ መትረብ ፓናማን ክልቲኦም ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ኣለዎም ኢሎ ተመራፃይ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ።
ትማሊ ሰሉስ ኣብ ማራላጎ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምኡ ምግባር ቁጠባውን ወታደራውን ሓይሊ ከም ዘይጥቀሙ መረጋገፂ ክህቡ ተሓቲቶም ነይሮም።