ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን እገዳ ኣንቢሩ

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን - ኔዘርላንድስ (ፋይል)

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብሓሙስ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ቍጠባን መገሻን እገዳ ኣንቢሩ። ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ መጋብኣያ ኣንጻር ኣመሪካውያንን መሓዙት ኣመሪካን ዘይፍትሓዊ መርገጺ ኣለዎ ብምባል ይኸሶ። እቲ መጋባእያን ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ግን ነቲ ትእዛዝ ተቓዊሙዎ ኣሎ።

ውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ናብ ኣመሪካ ናይ ስራሕ መንገሻ ዝገበረ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ተጋጢሙ ኣሎ። ናታንያሁን ናይ ቅድም ሚኒስተር ምክልካሉ ዮኣቭ ጋላንትን ብገበናት ኲናት በቲ መጋብኣያ ዝድለዩ’ዮም። ጉጅለ ሓማስ’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ በቲ መጋብኣያ ይድለ’ዩ።

ድሕሪ ምፍራም እቲ እገዳ፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ናይቲ እገዳ ክኣትዉ ዝኽእሉ ዛጊት ኣይነጸረን። እንተዀነ ኣብቲ ዝቐደመ እብረ ኣብ ልዕሊ ዋና ኣኽባር ሕጊ እቲ መጋብኣያ ፋቱ በንሶዳ ሓደ ካብ ተሓጋገዝታን እገዳ ኣንቢሩ ነይሩ። ኣብ እዋኑ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተነበር ማዕቀብ፡ እታ ዋና ኣኽባር ሕጊ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ፈጺሙዎ ዝበለቶ ገበናት ከተጻሪ ስለ ዝጀመረት’ዩ ናብቲ እገዳ ኣምሪሓ።

ኣብ ዘ-ሄግ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን 125 ሃገራት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብ ዝዀነ ወገን ናይ ዓለም ንዝተፈጸመ ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ምጽናት ዓሌትን ኣጻርዩ ፍርዲ ዝህብ’ዩ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣባላት ሃገራት ንዘይኰና’ውን ገበናት ተፈጺሙ ኢሉ ምስ ዝኣምን ናይ ምጽራይን ምፍራድን ሓላፍነት ኣለዎ።

ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያን እስራኤልን ኣባላት እዚ መጋብኣያ ኣይኰናን።

ሩስያ ኣቐዲማ’ውን ኣንጻር’ዚ መጋብኣያ ዓሊማ ነይራ’ያ። ኣብ 2023 እቲ መጋብኣያ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዩክሬን ፈጺሙዎ ዝበሎ ገበናት ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣሕሊፉ’ዩ። ሩስያ ንዋና ኣኽባር ሕጊ እቲ መጋብኣያ ካሪም ኻን ናብ ሃገራ ከይኣቱ ክልከላ ገይራ’ያ። ካልኦት ክልተ ደያኑ እቲ ቤት ፍርዲ’ውን ኣብ መዝገብ ተደልይቲ ሰባት ኣስፊራ’ያ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት’ውን ብውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ ኣመሪካ ነቲ ውሳነ ደጊማ ክትሓስበሉ ጸዊዑ።

ነቲ ቤት ፍርዲ እተእንግድ ኔዘርልናድስ ነቲ ውሳነ ተቓዊማቶ ኣላ። ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ ብምቅዋም፡ “ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ፍትሒን ግዳያት ግፍዒን ዝግበኦም ፍርዲ ንምሃብ ስራሕና ክንቅጽል ኢና፡” ኢሉ።

ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ግን ብውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ሕጉሳት ኣይኰኑን። ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ “ንውልቀ-መለኽቲን ጓዕጸጽቲ ፍትሒን ክእርም ትጽቢት ዝግበሮ መጋብኣያ ምእጋድ፡ ንተሓታትነት ፍትሒ ኣብ ሕቶ ዘእቱ’ዩ፡” ክብል ገሊጹዎ።

ኣብቲ ደምበ ንመምርሒ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝድግፉ’ውን ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን ነቲ “ሓድሽ ማዕበል” ኢሉ ዝጸውዖ ትእዛዝ ትራምፕ ድጋፉ ገሊጹ'ሎ።