ትማሊ ሰኑይ 20 ጥሪ 2025 ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ድሕሪ ጽንብል ንዝተፈላለዩ ክስርሓሎም ዝጸንሑ ፖሊሲታት ዝልውጡ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት ፈሪሙ። ዶብ ሰጊሮም ዑቕባ ንዝሓቱ ስደተኛታት ብኣልማም ዝሰጉግ መምርሒ ዝርከቦ ትእዛዝ፡ እቲ ዝዓበየ ግን ካብ 1868 ኣትሒዙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ኣብ መሬት ኣመሪካ ንዝተወልዱ ቆልዑ ዜግነት ዝህብ መምርሒ ምስራዝ ዝብሉ ድማ ይርከብዎም።
ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ፡ ንዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ መኸተምታ ከብጽሖ ምዃኑ ዝገልጽ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሰኑይ ምሸት ኣብ ዝፈረሞ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ጉዳይ ዶባት ሃገራዊ ህጹጽ እዋን’ዩ ብምባል፡ ኣብ ዶባት መክሲኮ ፍሉይ ኣሃዱ ከዋፍር ምዃኑ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ዶባት ኣመሪካ ብሓጹር ክኽልከል ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ ዝቐደመ ምምሕዳሩ ዝስርሓሉ ዝነበረ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ መክሲኮ ኰይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ዝገብር መምርሒ ከም ዝመልሶ ከቲሙ።
ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ተንትንቲ ግን፡ መክሲኮ ምስቲ መደብ እንተ ዘይተሰማሚዓ ብኣመሪካ ጥራይ ክግበር ዝኽእል ፖሊሲ ዘይምዃኑ ይእምቱ። ቅድሚ’ቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ሰኑይ ንግሆ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህብ ዝተሓተተ ጸሓፊ ወጻኢ ዝምድናታት መክሲኮ’ውን፡ ሃገሩ ምስቲ ሓሳብ ከም ዘይትሰማምዕን ካልኦት ቀዳምነታት ከም ዘለዎምን ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት፡ ምምሕዳር ባይደን፡ ነቶም ገበናት ዘለዎምን ንሃገራዊ ጸጥታ ስግኣት ዝበሎምን ዜጋታት ጥራይ’ዩ ፈልዩ ዝሰጉግ ነይሩ። ትራምፕ ግን ጃምላዊ ምጥራዝ ክግበርን ብኣልማም ክገፍፍን ምዃኑ ኣዊጁ ኣሎ። እዚ ትእዛዝ’ዚ ግን ኣብ ግብሪ ሓያል ፍልልይ ከም ዘይህሉዎ ክኢላታት ይኣምኑ። ኣብ ዩኒቨርስቲ የል መምህር ሕጊ ዝነበረ ስቲቨን ያሎር ንድምጺ ኣመሪካ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ተገፊፎም ምስ ተኣስሩ’ውን ናብ ዓዶም ክሳብ ዝጥረዙ ነዊሕ መስርሕ ፍርዲ ክህሉ ምዃኑ ይኣምን። ኣቐዲሙ ዝተኣከበ 3.8 ሚልዮን ፋይላት ቤት ፍርዲ ገና ተኸዚኑ ስለ ዘሎ፡ ንሱ ክሳብ ዝጻፈፍ እቲ ናይ ምስጓግ መስርሕ ክዳናጐ ምዃኑ’ዩ እቲ መምህር ሕጊ ይገልጽ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ሰኑይ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛቱ፡ ኣመሪካ እትገብሮ ዝጸንሐት ምጥያስን ምቕባልን ስደተኛታት’ውን ደው ኣቢሉ ኣሎ። ትራምፕ ኣብ ዝቐደመ እብረ-ስልጣኑ’ውን ምቕባል ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝንኪ ዝሰርሐ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ብሓንሳብ ኣመሪካ ንስደተኛታት ማዕጾኣ ከም እትዓጹ ወግዓዊ ገይሩዎ ኣሎ።
ካብቶም ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከቱ ኣዝዮም ሓያሎ መምርሒታት፡ ናብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘቕረቡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ብቐጥታ ምብራር’ውን’ዩ። ኣብዚ ምድብ ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ይግባይ ክብሉ’ውን መሰል ኣይክህሉዎምን’ዩ።
ሓደ ካብ ቀንዲ መለለዪ ኣመሪካ ዝጸንሐ፡ ዜግነት ስድራቤት ብዘይገድስ ኣብ መሬት ኣመሪካ ንዝተወልደ ሰብ ንእለቱ ዜጋ ምግባር’ዩ ነይሩ። እዚ ብመበል 14 ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝጸደቐ’ዩ። ትራምፕ ነዚ’ውን ክዝረዝ ፕረዚደንታዊ መምርሒ ፈሪሙ ኣሎ።
ኣመሪካ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ካብ 1868 ኣትሒዛ በዚ ንእለቱ ዜግነት ዝህብ ዝተመሓየሸ መምርሒ ኢያ ክትጓዓዝ ጸኒሓ። እንተዀነ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ትእዛዝ ድሕሪ ምፍራሙ፡ ሓያሎ ተሓለቕቲ ወገናት፡ ንትእዛዛቱ ክብድሁዎ ምዃኖም ይዛረቡ ኣለዉ። ገለ ካብቲ ዝተፈረመ ትእዛዝ ልዕሊኡ ንሕገ-መንግስቲ ዝምልከት ስለ ዝዀነ ልዕሊ መዝነት ፕረዚደንት ምዃኑ’ዮም እቶም ተሓለቕቲ መሰላት ይምጉቱ።