ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ናብ መዝነት እንተተመሊሶም ሸቶ ወፃኢታት ምክልኻል ዘየማልኡ ኣባላት ኔቶ ከምዘይከላኸለሎም ትማሊ ረቡዕ’ውን ደጊሞም ኣረጋጊጾም። ትራምፕ ነዚ ርእይቶ ቅድሚ ሒደት መዓልታት እውን ኢሎምዎ ኔሮም።
ትራምፕ ኣብዚ ካብቲ ዝተለምደ ኣካይዳኦም ብዝተፈለየ ክቐርቡ ፈቲኖም እዮም። ንመወዳድርቶም ኒኪ ሃይሊ ብዓል ቤተን ኣብ ወፍረን ምጥፈኦም ኣልዒሎም ኣላጊፆም። ከምኡ’ውን ቅድም ክብል ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚርት ፑቲን ንኢዶም ዝሃብዎም ርእይቶታት’ውን ዘመሓየሽዎ ይመስል።
ኣብ ክንድኡ ትራምፕ ነቲ ፑትን ምስ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ሩስያ ኣብ ዘካየድዎ ቃለመሕታት “ፕረዚደንት ባይደን ክቕፅሉ ከምዝመርፁ ዝተዛረብሉ ብምጥቃስ “ፑቲን ናተይ ኣድናቂ ኣይኮነን” ክብሉ ተዛሪቦም።