ጉዳይ ዜግነት ብትውልዲ ኣመሪካ -- ፕረዚደነታዊ ትእዛዝ ተቓውሞ ይገጥሞ

Your browser doesn’t support HTML5

ጉዳይ ዜግነት ብትውልዲ ኣመሪካ -- ፕረዚደነታዊ ትእዛዝ ተቓውሞ ይገጥሞ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብታ ቃለ-ማሕላ ዝፈጸመላ ምሸት፡ ካብ መንጎ ዘሕለፎም ሓያሎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዛት፡ ኣብ ኣመሪካ ካብ 1868 ኣትሒዙ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ምርካብ ዜግነት ኣብ ኣመሪካ ብምውላድ ዝስርዝ’ዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መሬት ኣመሪካ፡ ሕጋዊ መንበሪ ወረቐት ካብ ዘይብሎም ወለዲ ዝተወልደ ህጻን፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ንእለቱ ኣመሪካዊ ዜጋ ካብ ምዃን ዝኽልክል ትእዛዝ’ዩ ፈሪሙ። እዚ ግን ብኣብ ሲያትል ዋሺንግተን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ተቓውሞ ገጢሙዎ ኣሎ።

ሓሙስ ኣብ ሲያትል ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ፡ ዳኛ ጆን ኮግነር፡ ነቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ “ፈጺሙ ንሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝጻረር” ብምባል እቲ መምርሒ ከይትግበር ከልኪሉ ኣሎ።

ዜግነትን ናይ ነባርነት ወረቐትን ብዘገድስ ኣብ መሬት ኣመሪካ ዝተወልደ ሰብ ካብ 1868 ኣትሒዙ ብቐጥታ’ዩ ዜግነት እታ ሃገር ክወሃቦ ጸኒሑ። እዚ ኣብ መበል 14 ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝሰፈረ ዓንቀጽ፡ ነቶም ብጊልያነት ናብ ኣመሪካ ዝመጽኡን ደቆምን ዜግነት ንምሃብ ዝሰፈረ’ዩ።

ነቐፍቲ ግን እዚ ዓንቀጽ’ዚ ንሓያሎ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብ ኣመሪካ መጺኦም ክወልዱን ብእኡ ኣቢሎም ድማ ብውላዶም ብዝረኽቡዎ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ዝፍጸም መስርሕ ዜጋታት ኣመሪካ ንክዀኑ ዕድል ክፈጥር ጸኒሑን ይብሉ። ነዚ “ዘይሕጋዊን ተዘዋዋሪን ኣገባብ” ንዝተሰምየ መስርሕ ንምትራፍ እምበኣር’ዩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትእዛዝ ዘሕለፈ።

ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ትራምፕ ቅልጡፍ ተቓውሞ’ዩ ገጢሙዎ። ዛጊት ካብ 22 ክፍለ-ሃገራት ደያኑን ተሓለቕቲ ጉዳያት ስደተኛታትን ሓሙሽት ክስታት ተመስሪቱ ኣሎ። እቲ ንፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ዝቃወም ክስታት ነቲ ትእዛዝ ውዱቕ ንምግባር ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣኽባር ሕጊ መንግስቲ ዘድሊ መርትዖ እንተ ዘየኣቕሪቡ እቲ ትእዛዝ ብግብሪ ክስረዝ’ዩ።

ሓሙስ ኣብ ሲያትል ዋሺንግተን ኣብ ዝነበረ ከይዲ፡ ዳኛ ነቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ከይትግበር ን14 መዓልታት ደው ኣቢሉ ኣሎ። ድሕሪኡ ዳኛ ኮግነር ንኣኽባር ሕጊ መንግስቲ ዘድሊ መርትዖ ከምጽእ ን6 ለካቲት ቆጻራ ሂቡዎ ኣሎ። ድሕሪኡ ኣብቲ ዝቐርብ መርትዖታትን ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲን ዝምርኮስ ኰይኑ፡ ክሳብ ሽዑ ግን እቲ ዜግነት ናይ ምሃብ መስርሕ ከም ዘለዎ ክቕጽል’ዩ።

ናይ ቤት ፍርዲ ሲያትል ሓደ ካብቶም ሓያሎ ክስታት ነቲ ትእዛዝ ደው ንምባሉ ዝነቐለ ኰይኑ፡ ካልኦት’ውን ተመሳሳልቲ ሕጋዊ መስርሓት ኣለዉ። ኣብ ኒው-ጀርሲ 18 ክፍለ-ሃገራት ብሓደ ተዋጺአን ዘቕረበኦ ናይ ኣብያ ክሲ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ቀሪቡ ዘሎ ሕጋዊ ጥርዓናት፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣንጻር ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ትእዛዝ ንስድራቤታት ዝፈሊን ነቶም ኣብ መሬት ኣመሪካ ዝውለዱ ህጻናት ድማ ብዘይ ዝዀነ ዜግነት ከንብሮም ተኽእሎ ከም ዘለዎን ይምጉቱ።

ዳኛ ሲያትል ዋሺንግተን ነቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ከይትግበር ዓንቂጹዎ ኣሎ። ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ግን ንትእዛዝን መርገጺን ፕረዚደንት ትራምፕ ክከላኸልን ተግባራዊ ንምግባሩ ድማ ክሰርሓሉ ምዃኑን ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ሓቢሩ።