ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ቻይና ምስ ሰሜን ኮርያ ንዘለዋ ርክብ ንግዲ ምሕያላ ኣትሪሮም ወቂሶም።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጃን ኡን ኸአ ሃገሮም ንዝገበረቶ ፈላማይ ዕውት ፈተነ ሃገር ዘቋርጽ ባልስቲክ ሚሳይል ይጀሃሩ’ለው።
ዋሽንግተን —
ፕረዝደንት ትራምፕ ነዚ ወቀሳ ዝገለጹ ምስ ፕረዝደንት ቻይና ዚ ጂንፒንግ ሓዊሱ ምስ መራሕቲ 20 ብኢኮኖሚ ዝበልጸጋ ሃገራት ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ንምክፋል ናብ ፖላንድ ቅድሚ ምምርሖም’ዩ።
ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ኣብ መንጎ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ኣብ ዝሓለፈ ፈለማ ሰለስተ ኣዋርሕ ንግዲ ዳርጋ ብ40 ሚእታዊት ወሲኹ’ሎ ግን ቻይና ምሳና ክትሰርሕ ክንፍትን ኢና ኢሎም። ንሶም ብተወሰኺ ቻይና ንዝገብረቶ ጻዕርታት ዓብይ ምስጋና ይግባእ እንተወሓደ ቻይና ንወታሃደራዊ ህንጡይነት ሰሜን ኮርያ ንምግታእ ፈትና ኣላ ኢሎም።
Trade between China and North Korea grew almost 40% in the first quarter. So much for China working with us - but we had to give it a try!
— Donald J. Trump (@realDonaldTrump) July 5, 2017
ቻይና ብመዳይ ቁጠባ ሰሜን ኮርያ ዓባይ ተረባሒት እያ ፡ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂ ሰባትን ግዱድ ሽቕለትን ቻይና ዝገደደት’ያ ክብሉ ገሊጾም።
Your browser doesn’t support HTML5