ዋሽንግተን —
“ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ ንምቕርጣውን ንምጽፋፍን” ብዝብል ፖሊሲ፡ ክሳብ 6 ለካቲት 2025 ካብ ስራሖም ክፋነዉ ንዝደልዩ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም (ማለት ንሸሞንተ ኣዋርሕ) ስሩዕ ደሞዞም ክኽፈሎም ምዃኑ ኣብቲ ብሰሉስ ናብ ክልተ ሚልዮን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝተላእከ መልእኽቲ ኢመይል ተሓቢሩ።
እቲ ዘዋሪ መልኽእቲ ከም ዘመልክቶ፡ በቲ ተመዲቡ ዘሎ ዳግመ-ምትዕርራይ ዝበዝሓ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ዓቕሚ-ሰብን ከጉድላ’የን። ውሑዳት ከም ሚኒስትሪ ምክልኻል ግን ካብቲ ዘለውኦ ብዓቕሚ ሰብን ባጀትን ክውስኻ ምዃነን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ገለ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ነቲ መምርሒ ተቓዊመንኦ ኣለዋ። እቶም ማሕበራት፡ “ንሰራሕተኛታት ኣፈራሪሑ ስራሓቶም ንኽገድፉ ዝደፍእ’ዩ፡” ይብሉ።