ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሳውዝ ካሮላይና ንካልኣይ ግዜ ትሮፒካዊ ህቦብላ ኣጋጢሙ

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሳውዝ ካሮላይና ክልተ ጊዜ ዝተራእየ ህቦብላ ናብ ምብራቓዊ ክፋላት'ታ ሃገር የምርህ ምግላው ተሓቢሩ'ሎ። ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስ ዛጊት ሸውዓተ ሰባት ብሰንኪ`ቲ ሓያል ዝናብ ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ሃገራዊ ማእከል ሀሪከይን ከም ዝሓበሮ እቲ 'ደቢ' ዝብል ሽም ዝተዋህቦ ህቦብላ ዝናብ ክሳብ`ዚ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዘሎ ግዜ ክሳብ ግዝኣት ቨርሞንት ኣብ ዝዝርጋሕ ምብራቓዊ ክፋላት ውሕጅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ`ሎ። ደቢ መባእታዊ ደረጃ ሓይሊ ሒዙ ዝሓለፈ ሰኑይ ንወሽመጥ ግዝኣት ፍሎሪዳ ሃሪሙ ኔሩ`ዩ።

ኣብ ክፍለ- ግዝኣት ጆርጅያ`ውን ከባብታት ምምሕዳር ሳቫና`ውን ኣርባዕተ ዝኾነ ሓጽብታት መሊአን ፈሲሰን`የን። ልዕሊ75 ዝኾኑ ሰባት ግን ካብ ሓደጋ ከም ዝደሓኑ ኣሶሸይትድ ፕረስ ገሊጹ።

ንሰሜን ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ድማ ኣስታት 270-ሺሕ ነበርቲ ብዘይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ተሪፎም ኣለዉ።

ኣብ ክፍለ- ግዝኣታት ኖርዝ ኮሮላይና ቨርጂንያ ከምኡ ሜሪላንድ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ`ሎ።