ፕረ.ነበር ትራምፕ ናይ ኒውዮርክ ፔንት ሃውስ ስፍሓቱ ከምዝተጋነነ ኣሚኖም

  • ዜና ቪኦኤ

ፕረ. ነበር ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ፈፂሞምዎ ዝተባህለ ናይ ንግዲ ምጭብርባር ዝቐረበ መርትዖ ኣብ 1994 ዝፈረምሉ ሰነድ ኣብ ገንዘባዊ ፀብፃቦም ተዘርዚሩ ዘሎ ሓቀኛ መጠን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ክባር መፅንሒ ገዛ ወይ ፔንትሃውስ ካብ ዋግኡ ንላዕሊ ገይሮም ከምዘቕረቡ ይገልፅ።

እቲ መርትዖ ዋና ሓላፊ ክፍሊ ሒሳብ ኩባንያ ትራምፕ ዝነበሩ ኣለን ወይስልበርግ ብሰሉስ ቃል ምስክርነት ኣብ ዝሃብሉ እዋን ብኢሜይል ዝቐረበ መርትዖ እዩ።

ብዋና ዓቃቢ ሕጊ ኒው ዮርክ ላቲሻ ጄምስ ዝቐረቡ ክስታት ከምዝሕብሩዎ ወይስልበርግ ሓቀኛ ዋጋ ናይቶም ንብረት ዋግኡ ብምውሳኽ ዓበዩ ክኸውን ብምግባር ንናይ ትራምፕ ገንዘባዊ ፀብፃብ ዝሃንደሱ እዮም ይብል።

ኣብ ፈላማይ መጋባእያ ዝተረኸቡ ትራምፕ ዋላ ሓደ ጌጋ ከምዘይሰርሑ ቃሎም ሂቦም ኣለው።