ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

Your browser doesn’t support HTML5

ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከተማ መቐለ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

ብፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጉጅለ ኣመራርሓ ህወሓት፣ “ህወሓት ንምድሓን” ብዝብል ኣብ ከተማ መቐለ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ።

ኣብቲ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይሃቦ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ኣመራርሓ ህወሓት የካይድዎ ዘለዉ ኣኼባ፣ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፍልልያት ብግልፂ ንምርኣይን እቲ መድረኽ ሓጋዚ እዩ ኢሎም።

ብዶ/ር ደብረጽየን ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዘካየዶ መበል 14 ጉባኤ ዝተመርጸ ሓድሽ ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝርከብዎም 16 ኣባላት ኣመራርሓ ካብ ስራሕ ምእላዩን ፖለቲካዊ ስርሓት ከየካይዱ ምክልኻሉን ይዝከር።

ብኻልእ ዜና ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ነበርቲ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ክልል ትግራይ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ዘተ ኣካይዶም።