ኣመራርሓ ህወሓት ንሓይልታት ጸጥታ'ቲ ክልል ብዝምልከት ዝሓለፈ ውሳነ ካቢነ ተቓዊሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣመራርሓ ህወሓት ንሓይልታት ጸጥታ'ቲ ክልል ብዝምልከት ዝሓለፈ ውሳነ ካቢነ ተቓዊሙ

ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ ህወሓት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፣ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክኾኑ ኣይግባእን ክብሉ ንውሳነ ካብኔ እቲ ምምሕዳር ተቓዊሞም።

ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ኣፈላላይ ከምዘሎ ንምርኣይ ዝተገለፀ ድማ ተቐባልነት የብሉን ዝበለ'ቲ መግለጺ፣ ህወሓት ብምድሓን ረብሓ ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ዝፅዕር ውድብን ኣብ ከይዲ ካብ ቃልሲ ወፂኡ ነቲ ውድብን ሰራዊትን ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ እዩ እቲ ኣፈላላይ ኢሉ።

ብኻልእ ዜና ፕረዚደንት እቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንወረዳታት፣ ከተማታትን ክፍለ ከተማታትን እቲ ክልል ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ፣ "ዘይሕጋዊ ጉባኤ ዘካየደ ጉጀለ ኣብያተ ምኽሪ ብምጥቃም ይቃወሙኒ እዮም ንዝብሎም ኣመራርሓ፣ ካብ ስልጣን የውርድን ሽም የፀልምን ኣሎ እዚ ድማ ደው ክብል ይግባእ" ኢሎም።