ህወሓት ብዝብል ስም ካልእ ውድብ ንምምዝጋብ ዝፈተኑ ወገናት ይግባይ ክንብል ኢና ይብሉ

Your browser doesn’t support HTML5

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብዝብል ስም ሓድሽ ክልላዊ ውድብ ንምጥያስ ዝቐረበ ሕቶ ዝተነፀጉ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክንብል ኢና ይብሉ። ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብስም ህወሓት ሓድሽ ፓርቲ ንምጥያስ ፍቓድ ቅድመ ኣፍልጦ ንዝሓተቱ ከምዝነፀጎም ኣፍሊጡ እዩ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ህወሓት ሕጋዊ ሰውነት ንክምለሰሉ ዘቕረቦ ሕቶ'ውን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምንፃጉ ስዒቡ እቲ ውድብ እቲ ውሳነ ንስምምዕ ሰላም ዝጥሕስ 'ዩ ብምባል ተቓውሞኡ ገሊፁ ነይሩ።