ዋንነት ውድብ ህወሓት ሓድሽ መካትዒ ዛዕባ

Your browser doesn’t support HTML5

ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝመራሕ ጉጅለ ኣባላት ማእከላዊ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ “ጉባኤ ዘካየዱ ኣመራርሓ ህወሓት ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ። እዚ ወገን በቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤ ዘካየደ ኣካል ህወሓት ካብ ኣባልነቱ ከም ዝተባረረ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ’ዩ። ኣብቲ ጉባኤ ህወሓት ምክትል ኣቦ-መንበር ኮይኖም ዝተመረፁ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ፣ "ንሕና ውድብ ኢና ንውልቀ ሰባት መግለፂ ምላሽ ኣይንህብን" ክብሉ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።