ህወሓት ንኣቶ ኣባይ ወልዱ ኣቦ-መንበር ንክኾኑ ዳግም መሪፁ ንጉባኤኡ ዛዚሙ

ገለ ተሳተፍቲ'ቲ ጉባኤ

ህወሓት ኣብ መበል 12 ውድባዊ ጉባኤኡ ነቲ ውድብ ብላዕለዋይ ዝመርሑ 45 ማእከላይ ኰሚቴ መሪፁ። ካብዚኦም ድማ 9 ኣባላት ኮሚቴ ስራሕ ፈፀምቲ ኰይኖም ክመርሑ ብማእከላይ ኰሚቴ ተሓርዮም።

ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ኣባል ኮሚቴ ስራሕ ፈፀምቲ ኰይነን ኣለዋ።

ካብቶም ዝተመረፁ 45 ማእከላይ ኰሚቴ ዶ/ር ደብረጽዮን፣ ወይዘሮ ኣዜብን ወይዘሮ ፈትለወርቅን ዝለዓለ ድምፂ ረኺቦም።

ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት ንኣይተ ኣባይ ወልዱ ኣቦ መንበር ንዶክተር ደብረጽዮን ድማ ምክትል ገይሩ ዳግም ሰይምዎም’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ እቲ ውድብ ንኣርብዓተ ነባራት መራሕቲ ብካልኦት ተኪኡ’ሎ፤ ካልኦት ሰለስተ ብተመሳሳሊ ነባራት መራሕቲ እቲ ውድብ ድማ ብገዛእ ፍቓዶም ክሰናበቱ ሓቲቶም እዮም። ብመሰረት እዚ ትማሊ ኣብ ዝተዳለወ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ሸዓቲኦም ብክብሪ ተሰናቢቶም።

ኣይተ ኣባይ ፀሃየ፣ ኣይተ ኣባዲ ዘሞ፣ ኣይተ ቴድሮስ ሓጐስን ኣይተ ጸጋይ በርሀን እዮም፤ ብሰናይ ድልየቶም ዝተሰናበቱ ወይዘሮ ሮማን ገብረስላሴ፣ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋን ኣይተ ተወልደ በርሀን እዮም።

ቅድሚ ሎሚ ኣባል ማእከላይ ኰሚቴ ነይሮም ሎሚ ካብ ዘይተመረፁ ወይዘሮ ትርፉ ኪዳነማርያምን ዶክተር ክንደያ ገብረህይወትን ይርከብዎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ብዛዕባ’ቲ ጉባኤ ሪኢቶ ዝሃበ ወሃቢ-ቃል ዓረና ትግራይ ኣቶ ዓንዶም ገ/ስላሴ ‘ኣመራርፃ መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ኣቖጢዑ’ሎ፣ ኣብ መፃኢ ዘበን ስራሕ ድማ መራሕቲ’ቲ ውድብ ኣብ ክንዲ ንሃገር ዝረብሕ ኣብ ሞንጎኦም ንዝተፈጠረ ፖሊቲካዊ ምስሕሓብ’ዮም ክነጥፉሉ’ ይብል።

ሪኢቶኦም ዝሃቡ ገለ ነበርቲ መቐለ ብውፅኢት ምርጫ’ቲ ጉባኤ ዕጉባት ኣይኮናን ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ሙሉእ ሪፖርት ብዛዕባ ጉባኤ ህወሓት