መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ካበይ ናበይ(1ይ ክፋል)

TPLF1.PNG

ህወሓት ንመበል 11 ውድባዊ ጉባኤ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ መቀለ ጀሚሩ ከምዝዛዘሞ ዝዝከር‘ዩ።እቲ ጉባኤ ንኣንኣፈፃፅማ ዝተሰርሑ መደባት ገምጊሙ ኣብ ቀፃሊ ክዕመሙ ዘለዎም‘ውን ነፂሩ‘ዩ።ብዘይካ‘ዚ ብመሰረት ውሳነ ምትኽኻእ፣12 ሓደሽቲ ኣባላት ኣመራርሓ ኣብቂዔ‘ለኹ ከምዝበለ ይዝከር። ሪኢቶ ህወሓትን ተቃወምቲን ክነስመዐኩም ኢና።

ኣብ‘ዚ ቃለ-ምልልስ ዝተሳተፋ ወ/ሮ ትርፉ ኪ/ማርያምን፣ንሰንን ወ/ሮ ኣዜብ መስፍንን ሳላ ሰብኡተን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ዝኾኑ‘ዩ ናብ መሪሕነት ዝበቅዓ ንዝብል ሕቶ “ዘፅልእን ፍንፉንን” ኣረኣእያ ክብላ ይነፅገኦ ወ/ሮ ትርፉ።”ከምኡ እንተኾይኑ‘ማ ምቅላስና ከንቱ’ዩ።ህዝቢ እውን እንተኾነ ኣንስቲ መራሕቲ ስለዝኾና ጥራሕ እንተመሪፁና፣ኣይነቅሐን ማለት‘ዩ” ኢለን።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣዳምጹ