መቐለ —
“ጉባኤ ድሕነት” ዝተሰየመ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሎሚ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ። “ንህልውና እቲ ውድብ ግድን ክካየድ አድላይ'ዩ” ተባሂሉ ብኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ዝተፀውዐ ጉባኤ፡ ምኽትሎም ግን “ንረብሓ ውሑዳን ዘገልግል” ብምባል ምስ ካልኦት 13 ኣባላት ማእከላዊ ኮሚተ ነቲ ጉባኤ ነጺጎሞ ኣለው። ማዕረ ኣብ ላዕለዎት መሪሕነት ዝርአ ዘሎ ፍልልይ፡ እዚ ክፍተት እዚ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሓያሎ ተወላዶ ትግራይ ምክፍፍል ፈጢሩ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ትንታነ -- “ጉባኤ ድሕነት” ንጥርናፈ’ዶ ወይስ ምፍልላይ?