ፖለቲካዊ ፓርትታት ክልል ትግራይ ንመግለጺ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ይቃወሙ

Your browser doesn’t support HTML5

ፖለቲካዊ ፓርትታት ክልል ትግራይ ንመግለጺ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ይቃወሙ

ስምምዕ ንዘላቒ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ ዘቑጸረሉ መግለጺ ዝሃቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣመልኪቶም ዝጠቐሱዎ ብወገን ክልል ትግራይ ናይ ተቓውሞ መግለጺ ኣስዒቡ ኣሎ።

ብሊንከን ኣብ መግለጺኦም፡ “ተመዛበልቲ ናብ መንበሪታቶም ተመሊሶም፡” ንዝበሉዎ ውድብ ህወሓት፡ ውድብ ሳልሳይ ወይነን ውድብ ናጽነት ትግራይን መግለጺ ብሊንከን፡ ብሕልፊ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምስቲ ክውንነት ዘይሳነ’ዩ ኢሎም።