ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ጉጅለ ህወሓት ጉባኤ ንምክያድ ምድላው ምዝዛሙ ሓቢሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ጉጅለ ህወሓት ጉባኤ ንምክያድ ምድላው ምዝዛሙ ሓቢሩ

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣብ ዘይሃቦ ጉባኤ ዘይተሳተፉ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ጉጅለ ህወሓት ሕጋዊ ዝበልዎ “መበል 14 ጉባኤ” ንምክያድ ምድላዋት የካይዱ ምህላዎም ገሊፆም።

እቶም ኣመራርሓ ንክልተ መዓልታት “ህወሓት ንምድሓን” ዝሰየምዎ ኣኼባ ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ካብቶም ኣመራርሓ ሓደ ዝኾኑ ኣይተ በየነ መክሩ “ህወሓት ጉባኤ ስለዘየካየደ ንምክያድ ምድላዋት ንገብር ኣለና” ኢሎም።

ኣብዚ ጉዳይ ካብቲ ካልኣይ ጉጅለ ህወሓት ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት፣ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፣ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ካብ ዝግበኦም እቶም 83 ሚእታዊ ምስታፎም ገሊፁ ነይሩ።