ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን(ህወሓት) ካብ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ጀሚሩ ምስሕሓባት ተፈጢሩ ኣሎ። ህወሓት ናይ ካድረታቱ ኣኼባ ኣብ ከተማ መቐለ ንምክያድ ንዝሓዞ መደብ ግዚያዊ ምምሕዳር ብምቅዋሙ እቲ ኣኼባ ንኻልእ እዋን ተመሓላሊፉ ኣሎ።
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር 51 ሚእታዊት ብህወሓት ዝዕብለል ምስ ምዃኑ እቲ ፀገም ምስ ተሰምዐ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ እዩ። ብዛዕባ እዚ ርእይቶ ክሀብና ዝሓተትናዮ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካዊ ሳይንስን ስትራተጂያዊ መፅናዕትታትን ዝኾነ ኣይተ ገብረመድህን ገብረሚካኤል እውን ዝፈጠረሉ ስንባደ ኣይሓብአን።
"ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ዝርከበሉ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ፅባሕ መርድእ ደቁ ንህዝቢ ትግራይ፣ ብኣማእቲ ኣሽሓት ህዝቢ ናብ መረበቶም ኣብ ዘይተመልስሉን ካልኦት ተደራረብቲ ፀገማትን ናብ ከምዚ ዝበለ ቅልውላው ምእታዎም ኣሰንቢዱኒ’’ ይብል።
ኣይተ ገብረመድህን ኣካል ናይቲ መፍትሒ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብቲ ውድብ "ካብ ምህዳም’’ ብማሕበራዊ መራኸብን ጋዜጣዊ መግለፂ ምስ ህወሓት ካብ ምርኻብን ኣብቲ ውሽጢ እቲ ውድብ ኮይኑ ለውጢ ከተኣታትው ተኽእሎ ኣለዎ ይብል። ነባራት መራሕቲ ህወሓት ድማ ቅድሚ ሎሚ ነቲ ክልልን ህዝብን ናብ ‘’ከቢድ ቅልውላው ኣእትዮም መሪሕነቶም ስለ ‘ዝወደቐ’ ንሳቶም ልግስ ኢሎም እቲ መሪሕነት ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ከረክቡ ኣለዎ’’ ይብል።