ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህወሓት ከምፖለቲካዊ ፓርቲ ክምዝገብ ምውሳኑ ኣፍሊጡ

  • ዜና ቪኦኤ

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሎሚ ዓርቢ 9 ነሓሰ 2024 ኣብ ዝወፅኦ መግለፂ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህውሓት) ብፍሉይ ኩነታት ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ክምዝገብ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።


እቲ ቦርድ ኣብ መግለፂኡ ህወሓት ንሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ናይ ዓመፅ ተግባሩ ደው ኣቢሉ ንሕገ መንግስታዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ኣኽቢሩ ንምንቅስቓስ ዝተሰማምዐ ምኳኑ ብምጥqaስ ብመመሓየሺ ኣዋጅ መመዝገቢ ፖለቲካዊ ፓርትታት ንኽምዝገብ መረጋገፂ ሂቡ ኣሎ ይብል።


ስለዝኾነ ድማ ህወሓት ብፍሉይ ምኽኒያት ከም ፖለቲካዊ ፓርቲ ክምዝገብ እቲ ቦርድ ወሲኑ ኣሎ፤ ኣብቲ ዝወሃቦ ሕጋዊ ሰውነት ድማ ብመሰረት ቁፅሪ ኣዋጅ 1332/2016 ብፍሉይ ኩነታt ዝብል ዘለዎ ኮይኑ ንኽዳሎ እቲ ቦርድ ወሲኑ ኣሎ ይብል።

እቲ መግለፂ ህወሓት ዝነበሮ ሕጋዊ ሰውነት ንኽምለሰሉ ዘቕረቦ ሕቶ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከምዘይተቐበሎ ብምግላፅ እቲ ውድብ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ እቲ ደብዳበ ካብ ዝበፅሖ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዘለው ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተዓዘብቲ ናይቲ ቦርድ ኣብ ዝርከብሉ ከካይድን ምድላዋት ቅድመ ጉባኤ ዝምልከቱ ስራሕ እቲ ቦርድ ንክከታተሎ እቲ ፓርቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅድሚ ምክያዱ 21 መዓልታት ጉባኤ ዘካይደሉ ዕለት ነቲ ቦርድ ከፍልጥን ኣለዎ ኢሉ።