ህወሓት መበል 14 ጉባኤኡ ጀሚሩ፡ ምኽትል ኣቦ-መንበርን ካልኦት ኣካላትን ተቓውሞኦም የስምዑ

Your browser doesn’t support HTML5

መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) “ጉባኤ ድሕነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሎሚ ሰሉስ 13 ነሓሰ 2024 ኣብ መቐለ  ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ጉባኤ ንምኽትል ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ዝሓወሱ 14 ኣባላት ማእከላዊ ኮሚተ ዝተቓወሙዎ’ዩ። ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ’ውን ንውጽኢት እቲ ጉባኤ ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ገሊጹ’ዩ። ኣቦ-መንበርን ተሳተፍቲን እዚ ጉባኤ ግን ነቲ ውድብ ንምድሓን ወሳኒ ምዃኑ’ዮም ይገልጹ።