ምርኢት ባዛር ኣስመራ ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ቱሪዝም

Your browser doesn’t support HTML5

ምርኢት ባዛር ኣስመራ ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ቱሪዝም

ኣብ ኣስመራ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ቱሪዝም ምርኢት ባዛር ተኻይዱ።

ኣብዚ"ቱሪዝምን ሰላምን” ብዝብል ቴማ ብምትሕብባር ሚንስትሪ ቱሪዝምን ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዝተወደበ ምርኢት፡ ብርክት ዝበሉ ናይ መግብን መስተን ኣገልግሎት ወሃብቲን ኣፍረይቲ ትካላትን ተሳቲፎም።

ኣቦ ወንበር ማሕበር ወሃብቲ ኣገልግሎት ቱሪዝም ኤርትራ ኣቶ ሰለሞን ግርማ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መዓልቲ ቱሪዝም ኣብ ኤርትራ ንመበል 29 ግዚኡ ከም ዝተኽበረ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዕላማ ናይዚ ምርኢት ነቲ ቴማ ንምንጽብራቕን ሌላ ንምዕባይን ከም ዝኾነ ሓቢሩ።