ቃለ መሕትት ምስ ታም መለንውስኪ (2ይ ክፋል)

ሚስተር ታም ማለንውስኪ

ትግባረ መጽባዓ ለውጢ ኣብ እንግደዐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከምዝዓርፍ፣ ሓላፊ ዘፈር ዴሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ስራሕን ሓጋዚ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ታም መለንውስኪ ገሊጾም።

ፈውሲ ዜናታት ጽልኣትን ዝንቡዕ ሓበሬታን ድማ ማዕጾ ምዕጻው ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነጻ፣ ቅቡልን ህይወት ንዘለዎ ሚድያን ማዕጾኻ ኣጸቢቅካ ምኽፋት’ዩ ኢሎም።

‘ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ከምዝብልዎ ኣይኮነን። ረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ’ዚ ዞባን ምስ’ቲ ኣሜሪካ ንሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲን ዘለዋ መርገጺ ዝጻባእ ኣይኮነን’ ኢሎም።

‘ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ምዕባለን ዞባዊ ሰላምን ዘማእከለ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣለና። እዞም ሸቶታት ክዕወቱ ዝኽእሉ ድማ ኢትዮጵያ ህድእቲ፣ ዝማዕበለትን መስርሕ ዴሞክራሲኣ ምስ ዝዕወት ጥራሕ’ዩ’ በሉ።

‘መራሕቲ ኢትዮጵያ ምስ’ቲ ዝበልክዎ ሚእቲ ብሚእቲ ከምዝሰማምዑ ርግጸኛ’የ። ምኽንያቱ ምስ’ቲ ንሳቶም’ውን ዘነጸርዎም ሸቶታት ስለዝቃዶ’የ ከምኡ ዝበልኩ። ስለዚ ብውልቀ ድዩ ብግልጺ መንግስቲ ንዝኣተዎም ቃላት ንክፍጽም ኣተባቢዕና ኢና፣ ሓጊዝና ኢና’ ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ መሕትት ምስ ታም ማለንውስኪ (2ይ ክፋል)

Your browser doesn’t support HTML5

1ይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ታም ማለንውስኪ