ኣብ ቶጎ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ቶጎ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኽእየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ምዕራባዊት ሃገረ ቶጎ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ናይ ተቃውሞ ሰልፈኛታት ዝተፈጥረ ግጭት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም።

እቶም ናይ ተቃውሞ ሰልፈኛታት ምምሕዳር ፕረዚደንት ፈዋረ ጋናሲንበግበ ንከብቕዕ ብምሕታት ኣብ ምልእቲ’ታ ሃገር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ሓያለ ከምዝተአሰሩን’ውን ሚንስትር ወጻኢ ጸጥታ’ታ ሃገር ኣፍሊጦም ኣለው።

መራሕቲ ተቓወምቲ ኣንጻር’ቶም ኣብ 2005 ዓ.ም ንዝሞቱ አብኦም ዝተኽኡ ፕረዚደንት ፍያረ ብምቕዋም ዝኻየድ ተቓውሞ ንክልተ መዓልታት ክቕጽል ወጢኖም ኣለው።

ኣብ መላእ ቶጎ ዝኻየድ ተቓውሞ ካብ ወርሒ ነሓሰ ዝጀመረ ምኳኑ ይፍለጥ።