ቲክቶክ-- ድሕሪ ሰንበት-- ኣብ ኣመሪካ ከብቅዕ ዲዩ?

Your browser doesn’t support HTML5

ቲክቶክ-- ድሕሪ ሰንበት-- ኣብ ኣመሪካ ከብቅዕ ዲዩ?

ኣብ መንጎ ሓገግቲ ኣካላት ኣመሪካን ቻይናዊ ትካል ዳንስባይትን፡ ኣብ ተጠቃምነት ቲክቶክ ኣመልኪቱ ነዊሕ ዝጸንሐ ክርክር፡ ናብ መወዳእታ ምዕራፍ ዝበጽሐ ይመስል። ክሳብ ሰንበት ሓደ ለውጢ ምስ ዘይህሉ፡ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኽልክሎ’ዩ ይብል ጸብጻብ ሮይተርስ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብዝፈረሞ ትእዛዝ መሰረት፡ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ነቲ ጉዳይ እንተ ዘይቀሊሱ፡ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ካብ ሰንበት ኣትሒዙ ክኽልከል’ዩ።

ኣመሪካ፡ እቲ ብኩባንያ ቻይና ዝውነን ዓቢ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብርክታቱ ናብ ካልእ ሃገር ብቐንዱ ድማ ኣመሪካውያን ኣውፈርቲ ክሸይጥ እንተ ዘይክኢሉ ኣብ ኣመሪካ ክዕጾ ምዃኑ ባይቶ ኣመሪካ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ’ዩ።

ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ኣስታት 170-ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለዎ ዝንገር ቲክቶክ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣመሪካውያን ክዕድንን ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ስግኣት ከም ዝፈጥር’ዮም ሓገግቲ ኣካል ኣመሪካ ዝገልጹ። ንቲክቶክ ዝውንን ዳንስባይት ዝተባህለ ቻይናዊ ኩባንያ ነቲ ብኣመሪካ ዝቐርብ ክስታት ደጋጊሙ ክነጽጎ ጸኒሑ’ዩ። ኣብቲ ዝተንብረሉ ናይ ግዜ ገደብ ንብርኩ ናብ ካልእ ሃገር ክሸጦ ዘለዎ ተኽእሎ ድማ ልሕሉሕ ይመስል።

እዚ መምርሒ ኣብ ምምሕዳር ባይደን ዝተወስደ ኰይኑ፡ ሰኑይ መዝነት ዝርከብ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ እንታይ ዝተፈልየ ውሳነ ከም ዝወስድ ግን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ኣሎ።