ኤርትራ ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ተሳቲፋ

Amb.Tes.Gherahtu

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ`ውን ቅድሚ ወርሒ ብወግዒ ተዓዲሙ ኔሩ`ዩ ኢሉ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ

Your browser doesn’t support HTML5

Ambassador Tesfamichael Gherahtu


ኤርትራ ብምኽንያት ዘለዋ ሪኮርድ ሰብኣዊ መሰላት ናብቲ ዋዕላ ኣይተዓደመትን ዝብሉ ጸብጻባት ክጋውሑ ቀንዮም`ዮም። ኣምባሳደር ገራህቱ ግን እኳ`ድኣ ኣብ ሰለስቲኡ ኣኼባታት ተሳቲፋን ናታ ርእይቶ ኣፍሲሳ`ያ ይብል።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ`ቲ ዋዕላ ኣይተሳተፈን። ንዕኡ ወኪሉ ዝተሳተፈ ሚንስተር ወጻኢ ዕስማን ሳልሕ`ዩ ይብል።

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ብዛዕባ፡ "ውሽጣዊ ሰነዳት ኢትዮጵያ", ብዛዕባ ደቡብ ሱዳን ከምኡ`ውን ብዛዕባ ካልኦት ዛዕባታት ተሓቲቱ`ሎ።

ንምስምዑ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡