ግብጺ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንግድብ ህዳሴ ዘጽንዕ ኮሚቴ ከቑማ ተሰማሚዐን ኢላ ኢትዮጵያ: ግብጺ ግን እቲ ኣፈላላይ ሕጂ`ውን ቀጺሉ ከምዘሎ ትገልጽ

የአባይ / ናይል ተፋሰስ

ግብጺ ግን እቲ ኣፈላላይ ሕጂ`ውን ቀጺሉ ከምዘሎ ትገልጽ
ሚንስትሪ ማይን ኤነርጅን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምቛም ኮሚቴ ተሰማሚዕና ዝበለ፡ ኣብ ካርቱም ሱዳን ድሕሪ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙርያ ዝርርብ`ዩ።

ወሃቢ-ቓል ሚንስትሪ ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ ኻሊድ ዋሲፍ ግን፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣፈላላይ ከምዘሎ ገሊጹ`ሎ።

ሚንስተር ማይን ኤነርጅን ኢትዮጵያ ኣለማየሁ ተገኑ፡ ዘሎ ኣፈላላይ ብኸመይ ይፈታሕ ኣብ ዝብል ንዝቕጽል ወርሒ ጥሪ ተቛጺርና ኣለና ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

Listen to the program on Nile-Dam