ገለ ኣባላት ስድራ እሱራት ኤርትራ፡ ንሸይላ ኪቲሩት ቃለ-ምስክርነት ሂቦም

Petros Solomon

ካብ መንጎኦም፡ ሓዊ ድሩዕ፡ ደቂ ጰጥሮስ ሰለሞን፡ ሓውቦ ሲሃን ዓሊ ዓብዱ ይርከብዎም
ኣብ`ቲ ብኤርትራዊት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ኤልሳ ጭሩም ከምዝተዳለወ ዝተገልጸ መደብ፡ ንፍልይቲ መርማሪት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ቃለ-ምስክርነት ዝሃቡ ኣቶ ሰንጋል ወልደትንሳኤ፡ ዘርኣይ ጰጥሮስ፡ ሳልሕ ዮኑስ፡ ከምኡ ድማ ተሓላቒ መሰል ስደተኛታት ዶር የዕብዮ ወልደማርያምን ባዕላ ኤልሳን ኣብ ቪኦኤ ቐሪቦም ብዛዕባ`ቲ ዝነበረ ርክብ ርእይቶኦም ሂቦም ኣለዉ።

ብተወሳኺ፡ ኤልሳን ዶር. የዕብዮን፡ ብዛዕባ መሰላትን ኩነታት`ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት`ውን “እንታይ ትገብሩ ኣለኹም” ዝብል ሕቶ ቀሪብሎም ኣሎ።

ነቲ መደብ ብሰፊሑ ኣብዚ ምልክት ድምጺ ምርካቡ ይክኣል

Your browser doesn’t support HTML5

Listen to the Program-10-25-13