ተቓወምቲ ወድባት ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ዕለት ኣል-ፈጥር ኣንጻር ገለ ኣመንቲ ምስልምና ዝወሰዶ ስጉምቲ ኾኒኖም

Muslims in Addis Ababa

ምትሕብባር 33 ፓርትታት ዝተባህለ ጥምረት ተቓወምቲ፡ መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ሰባት ተቐቲሎም፡ ቆሲሎም፡ ብዙሓት ድማ ተኣሲሮም ይብል
ኣባል ኣመራርሓ`ቲ ጥምረት ኣቶ ኣስራት ጣሴ ፡ ሰባት ከምዝተቐተሉ መረዳእታ ኣለና ኢሎም።
ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ምስ ጽንፋውያን ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ዝበልዎም ተቓወምቲ ውድባት ኸምዘጠንቀቕዎም ጋዜጣ ሪፖርተር ጠቒሱ ኔሩ።

ኢዴፓ ዝተባህለ ውድብ ብወገኑ፡ ኣብ ጉዳይ ምፍጣጥን ውጥረትን ንዘሎ ሕቶ ህዝቢ ምዕፋን፡ ግዜ ካብ ምዕዳግ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን ኽብል፡ ነቲ ኣብ ዒድ-ኣልፈጥር ብመንግስቲ ተወሲዱ ዝበሎ ስጉምቲ ኾኒኑ`ሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

Listen to the program