ትግራይ ብክንክንን ምሕዋይን ከባቢ ሽልማት ሜዳልያ ወርቂ ሕ/ሃ ረኺባ

ትግራይ - ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂ ብክንክንን ምሕዋይን ከባቢ

ንኣስታት ሰላሳ - ኣርባዓ ዓመታት ብምኽንያት ዝተካየደ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ኣብ ትግራይ ኣብነታዊ ፖሊሲ ሓንጺጻን ተግቢራን ተባሂላ'ያ ተሸሊማ ትግራይ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ከባቢን እቲ ክልል ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቡ 'እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ኣብ ካልእ ከባቢ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኢለ'የ ዝገልጾ' ይብል።

ኣብ'ቲ ውድድር ካብ ሓሙሽቲኤን ኣህጉራት ከምዝተሳተፉሉ ዝገለጸ ዶ/ር ኣትንኩት ኢትዮጵያ ሜዳልያ ወርቂ፣ ብራዚልን ቻይናን ሜዳልያ ብሩር፣ ኣውስትራልያ፣ ዮርዳኖስን ኒጀርን ሜዳልያ ነሓሲ ከምዝተሸለማ ሓቢሩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ቃለ ምልልስ ምስ ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቡ